ክንሕግዘኩም ድልዋት ኢና

ምፍናው ሬሳ መዋቲ/ት ካብ ዴንማርክ ናብ ትውልዲ ዓዲ

ትካልና ናይ መዋቲ/ት ቤተሰብ ሬሳ ካብ ዴንማርክ ክሳብ ትውልዲ ሃገር ውሑስ ብዝኾነ ኣገባብ ንምብጻሕ ሓላፍነት ይወስድ።

ንአብ ዴንማርክ ነባሪ ይኹን ወይ ውን ብመገሻ ናብ ዴንማርክ መጺኡ ንዝሞተ ብሕጋዊ ኣሰራርሓ ሬሳ ናብ ትውልዲ ሃገሩ ንምብጻሕ ዝግባእ ኩሉ ብዝኾነ ንሕግዝ ።

ሓባራዊ ውዕልን ሰነዳትን

ኣህጉራዊ ትካል ምፍናው ሬሳ (ትካልና) ኩሉ ሓላፍነት ናይ ሬሳ ምልአኽ መስርሕ ትስከም፦ ናይ ኣህጉራውን ናይ ዴንማርክን ብዝጠልቦ ናይ ሬሳ ምልኣኽ ሕጊ መሰረት ናብ ህገረ ትውልዲ ንምልአኽ ተሳልጥ።ሕጋዊ ሰነዳት ከምቲ ዝግባእ ክቀርብን ከምኡ እውን ኩሉ ቅጥዕታት ብትኽክል ክምላእን ንምርግጋጽ ኩሉ ናይ ቤት ጽሕፈታዊ ስራሓት ንዓሞ። ኩሉ መስርሕ ከምቲ ዝግባእ በቲ ናይ ዓድኹምን ደንማርክን ዝጠልቦ ሕጊ መሰረት ንምፍጻሙ ውሕስነትኩም ኢና።ንሬሳ ዘድሊ ኩሉ ከም ሳጹን ፣መግነዚ ዝአመሰሉ ጠለባት ነቅርብ።ኩሉ ንጥፈታትና ብትሕትናን ከምኡ እውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ሕግን ባህልን ክብርታት ምሕላው ልዑል ቆላሕታና ኢዩ።

ናይ መዋቲ/ት ሬሳ ዝምልከት ዘበለ ኩሉ ንሕና ንዓሞ ፣ ስለዚ እቲ ቤተሰብ ካልእ ኣቃልቦኡ ይገብር። ንሕና ኩሉ ጊዜ ምሳኹም ኣለና ክሳብ ሬሳ ተፋንዩ ናብ ትውልዲ ሃገሩ ዝበጽሕ።

ንሕቶታትኩም መልሲ ንምርካብ ተወከሱና ወይ ከአ ቆጸራ ሕዙ
ንሕና ኣብዚ ዘሎና ንኽንሕግዘኩም ኢዩ