ናይ 35 ዓመት ዓለም ለኻዊ ተመክሮ ኣሎና

ቀንዲ ዕላማና ንመዋቲ/ት ሬሳ ውሑስ ብዝኾነ ኣገባብ ናብ ትውልዲ ሃገር ምብጻሕ ኢዩ።


ትካል ኣህጉራዊ ምፍናው ሬሳ ካብ 25 ዓመት ንላዕሊ ናይ ሬሳ ምፍናው ተመክሮ ዘለዎ ኮይኑ፣ ንዝሞቱ ወጻእተኛታት፣ ኣብ ዴንማርክ ነበርቲ ንዝኾኑን ብምገሻ መጺኦም ንዝሞቱ ብውሑስነት ዘለዎ ኣገባብ ናብ ትውልዲ ሃገሮም ንምብጻሕ ዓቢ ተመክሮ ኣለዎ።

ናብ ምሉእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ናይ ሬሳ ምፍናው ስራሕ ነሳልጥ። ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 1000 ሬሳታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፋኒና ኣሎና።

ኣሰራርሓና ኣብ ልዕሊ ነፍሲወከፍ ሃገር ክብርታት፣ሃይማኖት ፣ ባህልን ልምድን ዓቂብና ንሰርሕ። ኣብ መስርሕ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣገባብ ናይ ምልአኽ ሬሳ ምሉእ ኣፍልጦን ሓበሬታን ንውንን ከምኡ እውን ሓባራዊ ስራሕ ምሰ ኣሳለጥቲ ቤት ጽሕፈት ቤታት ኣሎና ።

ንሕቶታትኩም መልሲ ንምርካብ ተወከሱና ወይ ከአ ቆጸራ ሕዙ
ንሕና ኣብዚ ዘሎና ንኽንሕግዘኩም ኢዩ